En cas d’urgence Police 117 | Ambulance 144

ሕቶ ሕተት

ti/ሕቶ-ሕተት/

ግዳይ ዓመጻ ዲኻ ወይስ ኣብ ከባቢኻ ዘቤታዊ ዓመጻ ዘለዎ ሰብ ትፈልጥ ኢኻ ? ምስ ስቓይካ በይንኻ ኣይትኹን ።


ኣጸጋምን ዜሳቕን ኵነታት እዩ ዘሎካ ። ጽምዋን ረዳኢ ኣልቦን ኰይኑ ይስምዓካ። ሕቶ ኣሎካዶ ሓበሬታ ይስምዓካ ድዩ ወይስ እንታይ የሕልፈካ ኸም ዘሎ ኽትነግረካ ትደሊ ኢኻ ? ምኩር ሰብ ሞያ ኣብዚ ወብ ሳይት እዚ ኺሰምዑኻን ኪምልሱልካን እዮም።


እቲ violencequefaire.ch ዚብሃል ወብ ሳይት ኣብ ስዊዘርላንድ እዩ ዚርከብ ። ኣብ ስዊዘርላንድ ዚነብሩ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ጥራይ እዮም ብሕታዊ ምላሽ ኪረኽቡ ዚኽእሉ።


ኣብ ፈረንሳ ጠቓሚ ኣድራሻታት ንምርካብ ምስቶም ኣድራሻታት ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ “Association Solidarité Femmes” (ማሕበር ሓድነት ደቂ ኣንስትዮ), INAVEM ወይ ከኣ ብዘይ ክፍሊት 3919። ነቶም ዓመጻ ዚፍጽሙ FNACAV ክትሕግዘካ ትኽእል ኢኻ ።


The European network WAVE ብዘይካዚ እንተ ደሊኻ ንዅነታትካ ብጭቡጥ መገዲ ኺሕግዛኻ ዚኽእላ ኣብ ጥቓኻ ዚርከባ ውድባት ኣድራሻ ኺረኽባኻ ይኽእላ እየን ።

ብሕታዊ ምኽሪ

violencequefaire.ch ነቶም ግዳያትን ገበነኛታት ዘቤታዊ ዓመጻን ኣብ ምሕጋዝ ፍሉይ ክእለት ዘለዎም ሰባት ዜተሓሳስበካ ዅሉ ሕቶታት ክትሓትቶም ትኽእል ኢኻ። እቲ ዘሕለፍዎ ተመክሮ ሕልኽላኻት ኵነታትካ ንኺርድኡን ንኺድግፉኻን ኣኽኢልዎም እዩ ። ምስ ከባቢኻ ዚሰማማዕ ምኽሪ ኽትረክብ ኢኻ።

ኵነታትካ ዝያዳ ኣቓልቦ ይስሕብ ኣሎ

ኵነታትካ ኽሳዕ ክንድቲ ሕማቕ ከም ዘይኰነ ስለ እትሓስብ ነቶም “ብሓቂ ዜድልዮም” ቦታ ኽትገድፈሎም ኣሎካ። ኵነታትካ ኸም ካልኦት ኣገዳሲ ምዃኑ ፍለጥ ። እዚ ወብ ሳይት እዚ ንዅሎም እቶም ብዓመጻ እተተንከፉ ሰባት ዚኸውን እዩ ፣ ንዓኻ ንምውፋይ ድማ ግዜ ኣሎና ።

ንስኻ ኣብ ስዊዘርላንድ ስደተኛ ኢኻ ሕጋዊ ሕቶ ድማ ኣሎካ

- ኣብ ካንቶን በርን
ሴንትር ሶሲያል ፕሮቲስታንት – info@csp-beju.ch

- ኣብ ካንቶን ፍሪቡርግ
ሰሰሲ/ሶስ – info@ccsi-fr.ch
ካሪታስ – info@caritas-fr.ch

- ኣብ ካንቶን ጀነቭ
ሴንትር ሶሲያል ፕሮቲስታንት – info@csp-ge.ch

- ኣብ ካንቶን ጁራ
ሴንትር ሶሲያል ፕሮቲስታንት – consultation@csp-beju.ch
ኣብ ካንቶን ኒውሻትል
ካሪታስ – caritas.neuchatel@ne.ch

- ኣብ ካንቶን ቫሌ
Centre Suisse – Immigrés – csivs@bluewin.ch

- ኣብ ካንቶን ቮ
The Fraternité du Centre social protestant (CSP) – frat@csp-vd.ch

ብኸመይ ሕቶ ኸም እትሓትት

ሕቶ ኽትሓትት እንተ ኽኢልካ ኣብ ወብ ሳይትና ስም ተጠቃሚን ፓስወልን ሒዝካ መዝግብ። እቲ ኣገልግሎት ብናጻ እዩ ዚቐርብ ። ገና ኽትኣቱ ዘይትኽእል እንተ ዄንካ ኣብ ኢስፓይስ ፐርሶ (ብሕታዊ ቦታ) ኣብ ታሕቲ ኽትምዝገብ ትኽእል ኢኻ። ኣዝዩ ቐሊልን ቅልጡፍን እዩ። ድሕሪኡ ሕቶኻ ኽትሓትተካ ትኽእል ኢኻ ፣ ንሕና ድማ ኣብ ዝበለጸ ግዜ ኽንምልሰልካ ኢና ። መብዛሕትኡ ግዜ ግን ብፈረንሳይኛ ዘይኰነስ ብኻልእ ቋንቋታት ንዚለዓል ሕቶታት መልሲ እንህበሉ ግዜ ሰለስተ ናይ ስራሕ መዓልቲ እዩ ። መልስና ምእንቲ ኽትርኢ ኣብ ሕሳብካ ምስ ስም ተጠቃሚኻ ኽትፍርም ኣሎካ፣ ድሕሪኡ ኣብታ “ሞን ኮምፕተ” (ሕሳበይ) ጠውቕ።

በዚ ቛንቋታት እዚ ሕቶ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ

- Deutsch – German
- English – English
- اللغة العربية- Arabic
- Español – Spanish
- Italiano – Italian
- Polski – Polish
- Portugués – Portuguese
- Bosanski-hrvatski-srpski – Bosnian / Croatian / Serbian
- Soomaali – Somali
- தமிழ் – Tamil
- Türkçe – Turkish

Quitter le site (touche esc) Poser une question
Retour au sommet